ፓርቲ ብልፅግና መበል 20 ብሄራዊ ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዕዉት ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና መበል 20 ብሄራዊ ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዕዉት ንኅኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ መበል 20 ብሄራዊ ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ኣመልኪቶም ሰናይ ትምኒቶም ንፕሬዚዳንት ቻይና ሺዥ ፒንግ፣ ንመላእ ኣመራርሓታት ከምኡ እውን ንዋና ፀሓፊ እቲ ፓርቲ መልእኅቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመሪሕነት ሺጂምፒንግ ፅሬት ዘለዎን ቅልጡፍን ዝተሓወሶ ምዕባለ ብምምዝጋነብ ብዙሓት ህዝቢታት ካብ ድኽነት ከውፅእ ከምዝኸኣለ ፀሪሖም፡፡

ኢንሸኤቲቭ ፖሊሲ ቤልት ኤንድ ሮድ÷ ንኢትዮጵያን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ተረባሕቲ እናገበረ ከምዝርከብ እወቅን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፓርቲ ዘሕልፎም ውሳነታት ንቻይና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ስለዝኾኑ÷ ሲፒሲ ኣብ መበል 20 ጉባኤኡ ንሰላም፣ ምዕባለን ምርግጋእን ዓለም ዝጠቅም ውሳነ ከምዘመሓላልፍ እምነቶም ገሊፆም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ዘዕግብ ውፅኢታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ከምዘመዝገበ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ዕዉት ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment