ፓርቲ ብልፅግናን ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ርክቦም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዚሃኦ ዚሂኦን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ቻይናን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ዘሎ ርክብ ስትራቴጂያዊ ብዝኾ መልክዑ ዝዓብየሉ ኩነታት ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይና፣ መንግስቲን ህዝቢን ቻይና ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ጠጠው ምባሎም ብምሕባር ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዚሃኦ ብግደኦም፥ ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይና፣ መንግስቲን ህዝቢን ቻይና ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ጠጠው ከምዝብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፓርቲታት ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሑ እቶም ኣምባሳደር ምግላፆም ካብ ፓረቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment