ፓርቲ ብልፅግናን ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ርክቦም ኣብ ዘጠናኽሩሉ ኩነታት ኣድሂቦም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ዘፈር ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ጃኦ ዚዩን ኣብ ምጥንኻር ቀፃሊ ርክባት ክልቲኦም ፓርቲታት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ዶክተር ቢቂላ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ቻይና ኣብ ዕቤትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ትገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ንኢዶም፡፡

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ዝገጠማ ውሽጣዊ ፈተና ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ክትፈትሕ ከምትኽል ቻይና ዝሓዘቶ ቅዋም ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነት ንኽዕገት ቻይና ኣብ መርህ ደው ብምባል ንዝገበረቶ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

ዶክተር ቢቂላ ኣተሓሒዞም፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ምዕባለ ቻይና ብዙሓት ልምዲታት ከምዝረኸበን ኣብ ቀፃሊ እውን ልምዲታት ከምዝቐስም ኣፍሊጦም፡፡

ኣምባሳደር ጃኦ ዚዩን ብግደኦም፥ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ኩሉ ግዘ ኣብ ምዕባለን ዕቤትን ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምድግጋፍ መሰረት ኣብ ዝገበረ መልክዑ ንሓበራዊ ዕላማን ድሌትን ከምዝሰርሑ ምሕባሮም ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment