ፓርቲ ብልፅና ብስምዒት ፓን ኣፍሪካ ንዕቤት ኣፍሪካ ምስ ኤ ኤን ሲ ተሓጋጊዙ ንምስራሕ ቁርፀኛ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደቡብ አፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መበል 108 ዓመት ክብረ በዓል ምጥያሽ ብሄራዊ ፓርቲ ኮንግረስ ኣፍሪካ(ኤ ኤን ሲ) ተኻፊሎም።

እቲ ዓመት በዓል ኣብ ከተማ ኪምበርሊ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ኤ ኤን ሲን ደቡብ ኣፍሪካን ስሪል ራማፎሳ ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒሰትር ዶክተር ኣቢይ፥ ብሽም ፓርቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምምሕልላፍ፤ ኢትዮጵያውያን ንደቡብ ኣፍሪካውያን ዝለኣኹሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም።

ፓርቲ ኤ ኤን ሲ ወለዶ እናተቐባበሉ ዘሃነፁዎ ፓርቲ ምዃኑ እውን ኣብ መደረኦም ገሊፆም።

ግዝኣት ኣፓርታይድ ንኸብቅዕ ደቡብ አፍሪካውያን ዝገበሩዎ ቃልሲ፥ ኩሉ ክዘ ብኢትዮጵያውያን ዝድነቕ ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረቡ።

ብኣመራርሓ ፓርቲ ኤ ኤን ሲ፥ ደቡብ ኣፍሪካ ማዕርነት ዝዓሰላን ዝማዕበለትን ሃገር ከምትኸውን እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ቅድሚ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓማውቲ ብዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምጅማሩ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ሓደ ብዝገብሩዎም ናይ ሓባር ታሪኽ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣሪሆም።

ብተወሳኺ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከም ሃገሮም እናነበሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ደቡብ ኣፍሪካ ንእትገብሮ ዘላ ሰናይ ተግባር ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፓርቶም ፓርቲ ብልፅና ብስምዒት ፓን ኣፍሪካ ንዕቤት ኣፍሪካ ምስ ኤ ኤን ሲ ተሓጋጊዙ ንምስራሕ ቁርፀኛ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ብእንግዶት ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዑደቶም፥ ብብርኪ መራሕቲን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘልዕሉዎም ሕቶታት፥ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ግቡእ መልሲ ንኽህበሎም ፃዕሪ ክገብሩ ኢዮም እውን ተባሂሉ።

ብተወሳኺ፥ ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኢምፔሪያል ዋንደረርስ ምስ ህዝቢ ንክራኸቡ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment