ፓርቲ ብልጽግና ንተጎዳእቲ ወገናት ዞባ ጎፋ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ቅርንጫፍ ኣብያተ ፅሕፈትን ብሓባር ብምዃን ንተጎዳእቲ ወገናት ዞባ ጎፋ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ኣበርኪቱ።

እቲ ደገፍ፥ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ንመንግስቲ እቲ ክልል ኣረኪቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ጥላሁን ከበደ ንዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ እቲ ሓደጋ ዘሕዝንን ካብ ኩሎም ሓደጋታት ዝተፈለየ ወዲ ሰብ ንሰብ ዝኸፍሎ ናይ መስዋእትነት ጫፍን ዘርኣየ ኢዩ ኢሎም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment