ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘድሃበ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ፥ “ሕገ-መንግስትን ህገ-መንግስታዊነትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፀገማትን መፍትሒታትን ኣወዳድባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲያዊ ምርጫን ዘየረዳድኡና ዓበይቲ ኣጀንዳታትን” ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ይዛተዩ ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስትን ህገ-መንግስታዊነትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፀገማትም መፍትሒታትን ኣወዳድባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበሩ መዛተይቲ ፅሑፋት ከምዝቐረቡ እወን ተገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!