ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቅዋማት ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቅዋማት ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ተገሊፁ።

እቶም ፓርቲታት፥ ን10 ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም እናተዛተዩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 10 ነጥቢታት ምስምዕመዖም ተገሊፁ።

እቲ ዘተ ሓሙሽተ ፓርቲታት ኣምሓራን ሓሙሽተ ፓርቲታት ኦሮሞን ዘሳለጡዎ ዘተ ከምዝኾነ ኢዩ ዝተገለፀ።

መበገሲ እቲ ዘካየዱዎ ዘተ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልቲአን ክልላት ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጎንፂ ምፍጣሮምን ኣብ ድሕሪ እዚ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ኣሎ ብዝብል ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ክልቲኦም ኣካላት ዘይሻራዊ ሰባት ተመሪፆም እናተዛተዩ ምፅነሖም እውን ተሓቢሩ።

እቶም ፓርቲታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጡዎ ዘተ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ቅዋሞም ኣብ ዝሓዘ ሰነድ ስምምዕነት ምፍርራሞም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ስምምዕነት ዝተፈራረሙ ፓቲታት፥ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ፣ ናፅነት ግምባር ኦሮሞ፣ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፣ ውህደት ግምባር ናፅነት ኦሮሞ፣ ብሄራዊ ፓርቲ ኦሮሞ፣ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ፣ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፣ ፓርቲ መላእ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ውድብ ነፀብራቕ ኣምሓራ፣ ውድብ ህልውና ኣምሓራ ንሓድነት ኢትዮጵያ፣ ውድብ መላእ ህዝቢ ኣምሓራን ምንቅስቓስ ዴሞክራሲ ሓይሊ ኣምሓራን ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment