ፓርቲታት ብልፅግና ትግራይን ሶማሌን ኣብ ከተማ ጂግጅጋ ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲታት ብልፅግና ትግራይን ሶማሌን ኣብ ከተማ ጂግጅጋ ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዝተገበረ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብፓርቲታት ብልፅግና ትግራይን ብልፅግና ሶማሌን ዝተሰናድአ ኢዩ።

ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ብልፅግና ትግራይ ዶክተር ሙሉቀን ሃብቱን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ወይዘሮ ሁሪያ ዓሊን ድማ ነቲ ዘተ መሪሖምዎ።

ነቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ድማ፥ ጉጅለ ህወሓት ካብ እዋን ለውጢ ጀሚሩ ዝነበሮ ሃገር ናይ ምሕማስ ሽርሒ፣ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን መሊስካ ምጥያሽን ዝምልከት ገለፃ ገይሮምሎም።

እቶም ተሳተፍቲ ብግደኦም፥ ሓው ህዝቢ ሶማሌ ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ዘርኣዮ ሓድነት፣ ምትሕብባርን ምሕቛፍን ኣመስጊኖም።

እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝሰርሖ ክፉእ ተግባር፥ ኢትዮጵያውነት ዘይገልፅ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክል፣ ነቶም ተወለድቲ እውን ርእሶም ክደፍኡ ዝገበረ ተግባር ከምዝኾነ ምግላፆም መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment