ፓርላማ ሶማሊያ ሽመት 26 ኣባላት ካቢኔ ኣፅቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማሊያ ኮይኖም ካብ ዝሽወሙ 40 መዓልቲ ዝኾኖም ሃምዛ ኣብዲ ባሬ ዘቕረቡዎም 26 ኣባላት ካቢኔ ፓርላማ እታ ሃገር ኣፅቑዎ።

እቲ ካቢኔ ምክትል መራሒ ኣልሻባብ ንዝነበረ ሙክታር ሮቦው ኣቡ ማንሱር ከምዘካተተ እውን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብጺቡ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ክሽወሙሎም ዝሓተቱዎም 26 ኣባላት ካቢኔ÷ ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሓሰን ሼክ መሓሙድ ብምዝታይ ከምዘቕረቡዎም ኣቐዲሞም ገሊፆም ነይሮም።

ንሽመት ዝቐረቡ ኣባላት ካቢኔ ደረጃ ትምህርቲን ልምዲ ስራሕን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment