ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፒሮላ ዝተብሃለ ሓዱሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ረሳሕ ማይ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።
እቲ ቫይረስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ብብርኪ ዓለም ዝርገሐኡ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡
ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ቢኤ.2.86 ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦ ኦሚክሮን ንኡስ ዓሌት ዝርግሕኡ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ብንቕሓት እናተኸታተተሉ ነይሮም ተባሂሉ፡፡
ውድብ ጥዕና ዓለም÷ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ፈለማ ኣብ ዴንማርክን እስራኤልን ከምዝተረኸበ ብምፅራሕ ቀስ ብቐስ ናብ መላእ ዓለም እናተበተነ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቲ ቫይረስ ካብ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝኸፍአን ብዝለዓለ መጠን ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ዘለዎን ከምዝኾነ ዝገልፁ ምልክታት ከምዘይተረኸቡ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com