ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር  ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም።

ኣብ ሩሲያ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ኪም ጆንግ ኡን፥ ሃገሮም ብወተሃደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዋ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስ ቭላድሚር  ፑቲን ኣሳሊጦም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን፥ ሞስኮ ደገፋት ሳተላይትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ንፕዮንግያንግ ንምብርካት ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ሰሜን ኮሪያ ብግደኣ፥ ሩሲያ ምስ ዩክሬን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ዝኸውን ኣፅዋራት ኲናት ንሞስኮ ክትህብ ከምእትኽእል ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment