ፎረም ጣና ኣብ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል ዓስራይ ፎረም ጣና ኣብ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ባህርዳር ኣትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባህርዳር እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
10ይ ጉባኤ ፎረም ጣና ኣብ ሰላም ኣፍሪካ፣ ኣብ ዙሪያ ጉዳያት ድሕንነትን ፀጥታን ዝመክር ኢዩ።
ካብ 4 ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ እዩ።
እቲ ፎረም ትማሊ ንነበር ፕሬዝዳንት ዛምቢያ ኬኔት ካውንዳ ብምዝካር ዘተኡ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ክሳተፉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣፍሪካ ናይ ሐዚን ነባራትን መራሕቲ ሃገራት፣ ተመራመርትን ፖለቲከኛታትን ናብ ባህርዳር ኣትዮም ኣለው።
ብተመሳሳሊ ኣቦ መንበር ሉኡላዊ ቤት-ምኽሪ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ንፎረም ጣና ናብ ባህርዳር ኣትዮም።
ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ባህርዳር እንትኣትዉ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment