ፎረም ግብርናን ኢንቨስትመንትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ፎረም ግብርናን ኢንቨስትመንትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 8 ክሳብ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

እቲ ፎረም ፍሪያትን ኣገልግሎትን ኢሉእውን ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምፍላጥ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፥ ኣብቲ ፎረም ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን፣ ሰብ ሃፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ ኢዮም ኢለን።

ልዕሊ 5 ሺሕ ሰብ ሃፍቲ ፍሪያቶምን ኣገልግሎቶምን ከምዘፋልጡ ብምግላፅ፥ ካብ ታሕተዎት ክሳብ ላዕለዎት ማሽነሪታትን ዘበን ዘፍረዮም ቴክኖሎጂታትን ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክስራሕ ኢዩ ምባለን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment