ፎረም ከንቲባታት ኢትዮጵያ ዝቕፅል 21 ሚያዝያ ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ከንቲባታት ኢትዮጵያ ዝቕፅል 21 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ እቲ ፎረም ከተማታት ዘለወን ልምዲ ዝካፈላሉን ልውውጥ ልምዲ ዘካይዱሉን ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ሓዊሱ ሓደሽቲ ሓሳባት ዝቐርቡሉ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ከተማታት ኢትዮጵያ ርክብ ሕውነታውነት ንምጥንኻር ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ እቲ ፎሮም÷ ከተማታት ብኩለመዳይ መልክዑ ንባዕለን ኣብ ዘደንፍዓሉ ኣግባብ መምርሒ ስራሕ ከምዝህቡ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ሓዊሱ ልዕሊ 300 ከንቲባታት ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ብወንድሙ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment