ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ቀፃሊ ኣንፈት ምዕባለ ከተማታት እታ ኣህጉር ዝቕመጠሉ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ቀፃሊ ኣንፈት ምዕባለ ከተማታት እታ ኣህጉር ዝቕመጠሉ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ካብ 29 ነሓሰ ክሳብ 1 ጳጉመን 2016 ዓ.ም “ዘላቒ ምጣነ ክታመ ንኣጀንዳ ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሓለፍቲ ስራሕን ተወከልቲን ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝሳተፉ ሓቢረን።

ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ቀፃሊ ኣንፈት ምዕባለ ከተማታት እታ ኣህጉር ዝቕመጠሉ ኢዩ አውን ኢለን።

Comments (0)
Add Comment