ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ንተተኣናግዶ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ልምዲ ዝውሰደሉ ኢዩ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ወላይታ ሶዶ እናተኻየደ ዝርከብ 9ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ንተተኣናግዶ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ልምዲ ዝውሰደሉ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

9ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ምክያድ ካብ ዝጅምር ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ።

እቲ ፎረም ኣመልኪተን መግለፂ ዝሃባ እተን ሚኒስትር÷ ኣብቲ ፎረም ልውውጥ ልምዲ ከተማታት እናተተግበረ ከምዝነ ኣልዒለን።

ዝዘመና ከተማታት ንኽፍጠራ ስራሕቲ ጥምረትን ልውውጥ ልምዲ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።

ልዕሊ 125 ከተማታትን ካብ 50 ንላዕሊ ትካላት ንግዲን ኣብቲ ፎረም ከምዘተሳተፉ ብምግላፅ÷ ከተማታት ልምዲ ብምልውዋጥ ዝሐሹን ዝዘመናን ከተማታት ንምፍጣር እታወት ከምዝረኽባሉ ተዛሪበን።

9ይ ፎረም ከተማታት÷ ኣብ ወርሒ መስከረም ኢትዮጵያ ንተሰባድኦ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ዓብዪ ልምዲ ዝተሓዘሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ብቤዛዊት ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment