ፎረም “ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ 2023” ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ 2023” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ መድረኽ የኢንቨስትመንት ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት ኢዩ።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ መድረኽ እንትኸውን፥ ክሳብ 20 ሚያዝያ ክፍቲ ኮይኑ ከምዝፀንሕ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሃፍቲ፣ ፈላጣት ንግዲ፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲን ፈጠርቲ ስራሕን ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ሓደሽቲ ምልከታታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ሰብ ሃፍቲ መዋእለ-ንዋዮም ዘፍስሱሉ ኣማራፂ ስራሕን ከምዝቐርቡ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ልዕሊ 600 ዓለም ለኸ ኢንቨስተሮች ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment