ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኢንተርኔት ንመልላእ ኢትዮጵያውያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፎረም ኢንተርኔት ሶሳይቲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ፎረም፥ ሓለፍቲ ምምሕዳር ኢንተርኔት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ምሁራን ቴክኖሎጂ ከምኡውን መዳርግቲ ኣካላት ተሳቲፎም።
እቲ ፎረም፥ ተበፃሕነት ኢንተርኔት፣ ዲጂታል ኣብ ምክታት ዘለዉ ቁልፊ በድሆታት ብምፍላይ ግንዛበ ንምፍጣርን ጥሪ 2025 ንዝካየድ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኢንተርኔት ቅድመ ምድላው ንምግባርን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ፕሬዚዳንት ኢንተርኔት ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ኣስራት ሙላቱ (ዶ/ር)፥ ኢንተርኔት ህዝቢ ዓለም ንክዛመድን ሓደሽቲ ነገራት ንክፍጠሩን ዘኽእል ብምዃኑ ዓለም ይቕይር ኣሎ ኢሎም።