ፎረም ኢንቨስትመንት ዳያስፖራ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይብ ኣሕመድ ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ዝመፁ ኣባላት ዳያስፖራ፤ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዳያስፖራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመራፅታትን ዕድላትን ኢንቨስትመንት ብምጥቓም መዋእለ ንዋዮ ብምፍሳስ፤ ንሃገሩ ቁጠባ ሃብቲን ብልፅግናን ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእለሉ ዕድል ተሓሲቡ ዝተተለመ ፎረም ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሌሊሴ ነሜ ገሊፀን።

እቲ ዳያስፖራ ናብ ዝመፀሉ ቦታ እንትምለስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣመራፅታት ኢንቨስትመንት ብምፍላጥ ኣምባሳደር ክኸውን ከምዘለዎ እተን ኮሚሽነር ሓቲተን።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፤”ፖለቲካ ክሽነፍ ዘለዎ ፈተናታት ኢኮኖሚ ክሽነፍ ከሎ እዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ዳያስፖራ ንፖለቲካ ሃገሩ እናርኣዮ ዘሎ ምሕዝነት ኣብ ኢንቨስትመንት እውን ብምስታፍ ንዕብየት ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ ሓቲቶም።

ኣብቲ መድረኽ 800 ኣባላት ዳያስፖራ ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ካልኦት ኣማራፅታታ ኢንቨስትመንትን ቐሪበሙሎም እዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ፎረም ቢሮታት ኢንቨስትመንት እቲ ክልል ዘለዎም ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት፣ኣልማዕቲ ባንክታትን ሪልስቴታትን ኣማራፂኦም ሒዞም ንክቐርቡ እውን ተገሊፁ።

ክሳብ መፃኢ ዓርቢ ዝፀንሕ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዘርኢ ኤግዚቢሽን ከምዝተዳለወ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment