ፎረም ኢንቨስትመንት ዝሕደስ ሓይሊ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ኢንቨስትመንት ዝሕደስ ሓይሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ፎረም ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ምስ ኢነርጂ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር)÷ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኽረክብ መንግስቲ ዘፈር ውልቀ ብምስታፍ ዘለዎ ዓቕሚ ብምፍላይ፣ ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ብምስንዳእ ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ዓውዲታት ዝሕደስ ሓይሊ÷ ኣብ ጂኦተርማል፣ ንፋስን ፀሓይን ሓይሊ ንምፍልፋል ዝተፈላለዩ ትካላት ወፃኢ ድሌት ከምዘርአዩን ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡን ተሓቢሩ፡፡

ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ዝሕደስ ሓይሊ ዘለዋ ልዑል ዓቕሚ  ብስፍሓት ንምፍላጥ ዘኽእል ኢዩ ምባሉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

Comments (0)
Add Comment