ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ፌዴሬኢ ኣብ ቱርኪ ምስ ኮንፈዴሬሽን ወነንቲ ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ዘሰናደኦ ዕድል ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፎረም ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ፎረም ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ልዕሊ 100 ሰብ ሃፍቲ ከምኡ እውን ልዕሊ 25 ኣባላት ቤት ምኽሪ ማሕበራት ንግዲ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ፕሬዚዳንት ኮንፈዴሬሽን ወነንቲ ኢንዱስትሪ ቱርኪ ፈርዱን ሲቫሂሮግሉ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ኮንፌዴሬሽን ልዕሊ 25 ሺሕ ኩባኒያታት ብኣባልነት ብምሕቛፍ ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምርኻብ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዝሰርሕ ኢዩ።

እቲ ፎሮም ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስንድኡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ኮንፌዴሬሽን ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ከምዝኸፍት ኣፍሊጦም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ቱርኪ ኣደም መሓመድ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ብምፅራሕ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተገበረ ዑደት መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኣማራፂ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንኽጥቀሙ ንሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment