ፎረም ቱሪዝም ኢትዮ ጂቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ቱሪዝም ኢትዮ ጂቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ጥቡቕ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ምዃነን ተዛሪበን፡፡

እቲ ዘፈር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ዘለዎ ግደ ንምድንፋዕ ዓቢዪ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

እቲ ፎረም፥ ዘፈር ቱሪዝም ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ግደ ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም መሓመድ ኣብዱልቃድር ሙሳ ብግደኦም፥ ምትእስሳር ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር በቶም መንግስታት ብዙሕ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ፎረም ዓሞቕቲ ሃፍቲታት ቱሪዝም እተን ሃገራት ዘመላኽቱ ፅሑፋት ቀሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment