ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ – ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢዝነስ ፎረም ኩባንያታት ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ፡፡

ኣብቲ ፎረም ቢዝነስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ከምኡ እውን ልዕሊ 150 ሰብ ሃፍቲ ክልቲአን ሃገራትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ምስሓብ ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ምትእስሳር ቢዝነስን ክልቲአን ሃገራት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ኣብ መኽፈቲ አቲ ፎረም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፥ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ናይ ነዊሕ ግዘ ታሪኻዊ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ምዃነን ገሊፆም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምሕያል እቲ መድረኽ ፎረም ቢዝነስ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም።

ዶክተር ኣክሊሉ፥ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝበለፀ ንኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ቱሪዝምን ተመራፂት ዝገብሩዋ ነጥቢታት ዘድሃበ መብርሂ እውን ሂቦም።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣህመድ ኣል ቃጣን ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ነዊሕ ግዘ ታሪኻዊ ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ርክብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሃገሮም ካብ ማንም እዋን ብዝበለፀ ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ኻበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment