“ፎረም ሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪሰታን” ክጣየሽ እዩ 

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ፎረም ሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪሰታን” ከምዝጣየሽ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፎረም ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ጉዳይ ሳይንቲፊክ ዲፕሎማሲ ዘለወን ልምዲ ንክለዋወጣን ብሓደ ንክሰርሓን ዘኽእል ምኻኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ምስ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ሾዛብ ኣባስ÷ ኣብ ምጥያሽ እቲ ፎረም ሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪስታንን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓደ ክሰርሓሉ ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያትን ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ዶክተር በለጠ ኣብቲ ምይይጥ÷ “እቲ ፎረም ንክምስረት ቅድሚ ሐዚ ዝተገበሩ ስምምዓት ብምጥንኻር ናብ ስራሕ ክእቶ እዩ” ኢሎም።

እቲ ፎረም ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ስግግር ፍልጠታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምግባር ይሕግዝ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ እቲ ፎረም ንምዕዋት ካባኣ ትፅቢት ዝግበር ኣስተዋፅኦ ክተበርክት እያ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፓኪስታን ሾዛብ ኣባስ ብወገኖም÷ ፎረም ሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኣብ ህንፀት ኢኮኖሚ ኣይቲን ዲጂታልን፣ ኣብ ሓለዋ ኣከባቢ፣ ኣብ ቴክኖሎጂ ማይ፣ ኣብ ጥዕና ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ምርምር ዝገብርን ስግግር ፍልጠት ዝፈጥርን ምኻኑ ተዛሪቦም።

ፓኪስታን “ፎረም ሳይንትፊክ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ፓኪሰታን” ንክምስረት  ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ ናብ ስምምዕነት ዝተበፅሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment