ፎረም ሚኒስትራት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ጉዳይ ዞባዊ ፍልሰት ኣብ ስርዓተ ፆታን ተሳትፎ ዳያስፖራን ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ፎረም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ሚኒስትራት ጉዳይ ዞባዊ ፍልሰት ስራሕቲ ጉጅለ ቴክኒካል ኣብ ስርዓተ ፆታን ተሳትፎ ዳያስፖራን ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሃገራት ኣብ ስርዓተ ፆታን ተሳትፎ ዳያስፖራን ዘሳለጠኦም ስራሕቲን ዘጋጠሙወን ማሕለኻታትን ኣቕሪበን ልዝብ ይግበረሎም ኣሎ፡፡

ዓርሰ እምነትን ዓቕሚን ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕን ኣብ ምሕደራ ጎንፂ፣ ድርድር፣ ውዕሊ፣ ሰነዳት ጥሕሰት መሰል፣ ፀብፃባት፣ ሓገዝን ኣገልግሎታትን ኣብ መባፅሕቲ ሃገራት ንምዕባይ ዝተተግሩ ተግባራት ሓደ መዛተዪ ዛዕባ ኢዩ፡፡

ተለዋዋጣይነት ስርዓተ ፆታ፣ ግደኦምን ደምቢታትን ብዝሐሸ ንምርዳእ ንኽሕግዘን ምስ ሃገር ለኸ ተዋሳእቲ ውልቀ ንምርኻብ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት እውን መዛተዪ ዛዕባታት ኢዮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ልውውጥ ገንዘብ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት፣ ኢንቨስትመንት ካፒታል ዕዳጋ፣ ወለንታዊ ሰስራሕን ቱሪዝምን፣ ሓይሊ ሰብን ስግግር ፍልጠትን ዘተ ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment