ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ልምዓትን ሰላምን ህዝቢታት ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ተመስሪቱ፡፡
መድረኽ ዘተ ርክብ ሕውነት ህዝቢታት ክልቲኦም ክልላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ መድረኩ ሚኒስትር ዴኤታታት ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር)ን ቸሩጌታ ገነነን፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣህመድ፣ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ምሁራን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ፎረም ህዝቢታት ክልቲአን ክልላት ንሓበራዊ ሰላምን ሓድነትን ዝሰርሑሉ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓበራዊ ክብሪታቶምን ሕውነታዊን ርክባት ንምጥንኻር ዝዝትዩሉ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።