ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ተወካሊ ግሎባል ግሪን ግሮውዝ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ተወካሊ ግሎባል ግሪን ግሮውዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳንኤል ኦግቦንያ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምፅዋር ዝወሰደቶም ፖለቲካዊ ቆራፅነትን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝምልከት መብርሂ ሂበን፡፡

ምስ ሃገራዊ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታትን ትልሚታትን ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተግባር ተኮር ስራሕቲ ኣብ ምትግባር ከምዝርከርከቡ ገሊፀን።

ተወካሊ ግሎባል ግሪን ግሮውዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳንኤል ኦግቦንያ ብግደኦም÷ ትካም ኢትዮጵያ ንትገብሮ ተግባር ምክልኻል ለውጢ ንብረት ኣየር ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ብኣባል ሃገራት ግሎባል ግሪን ግሮውዝ ዝተቐመጠ ስትራቴጂ ትሑት መጠን ምልቃቐ ካርቦን ተግባራዊ ንኽገብር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment