ፍኖተ ካርታ ኣወሃህባ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋን ቅልጡፍ ምላሽን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍኖተ ካርታ ኣወሃህባ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋን ቅልጡፍ ምላሽን ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፍኖተ ካርታ÷ ንዝቕፅሉ ሸሞንተ ዓማውቲ ዝትግበር እንትኸውን÷ ሓደጋ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ትካላት ተዋዲደን ንኽሰርሓ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ውፅታዊ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋ ምዝርጋሕ፣ ስግኣታት ሓደጋ ምክትታል፣ ምትንታን፣ ምትንባይን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስራሕሪ ምስላጥን ዘካተተ ፍኖተ ካርታ ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ብኽትትል ዝርከብ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር፣ ምንቃሕን ተግባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ምግባርን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም ከምዝበሉዎ÷ ንሓደጋ ዘይብዳህ ማሕበረሰብ ምፍጣር ሽቶ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ፍኖተ ካርታ ትካላት ብዝተናበበ መልክዑ ንኽሰርሓ ዝገብር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment