ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍትን ኣብ ክልላት ዝተመጣጠነ ምዕባለ ምርግጋፅን ንጠንካራ ፌዴራላዊ ስርዓት መሰረት ኢዮም- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍትን ኣብ ክልላት ዝተመጣጠነ ምዕባለ ምርግጋፅን ንጠንካራ ፌዴራላዊ ስርዓት መሰረት ኢዮም ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

“መሰረታዊ ዛዕባታት ፊስካል ፌዴራሊዝምን ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ኣይተ ኣገኘሁ፥ ስርዓት ፌዴራል ምስ ስርዓተ መንግስቲ ክልላት ብዝሓሸ ብርኪ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ፣ ብማዕርነት ሓቢርካ ናይ ምንባርን ብሓባር ናይ ምምዕባልን ዕላማ ንምዕዋት ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ንዘላቒነት እቲ ስርዓት ፈትሓዊ9 ክፍፍል ሃፍቲ፣ ውፅኢታዊ ሽግግር ፊስካልን ኣብ መንጎ ክልልት ዝተመጣጠነ ምዕባለ መርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።

ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍትን ኣብ ክልላት ዝተመጣጠነ ምዕባለ ምርግጋፅን ንጠንካራ ፌዴራላዊ ስርዓት መሰረት ኢዮም ክብሉ ጊሎም።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment