ፍርያት ሲሚንቶ ፏን ኋን ኣብ ረብሓ ከይውዕል ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ፍርያት ሲሚንቶ ፏን ኋን ኣብ ረብሓ ከይውዕል ከምዝተኣገደ ሚኒሰስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ሲሚንቶ ፏን ኋን ኣገዳዲ ደረጃ ኢትዮጵያ ዘየማለአ ብምዃኑ፥ መስተኻኸሊ ክሳብ ዝገብር ካብ 9 ሓምለ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ፅሬትን ብሄራዊ ደረጃ ምልክትን (ሰርተፊኬት) ናይ ምጥቃም ፍቓዱ ከምዝተኣገደ ይፍለጥ፡፡

ይኹ እምበር ምስክር ወረቐት እንተይሓዘ ኣብ ዕዳጋ ብምርካቡን ምስ ፅሬት እቲ ፍርያትን ተተሓሒዙ ብዝበፅሐ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብቲ ፋብሪካ ብኣካል ብምርካብ ብፅሬት ምፍራዩን ዘይምፍራዩን ምርግጋፅ ተኻኢሉ ኢሉ፡፡

ስለዝኾነ ምልክት ብሄራዊ ደረጃ ናይ ምጥቃም ፍቓድን ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ፅሬትን ብምእጋድ ፅቱን ድሐንነቱን ዘይተረጋገፀ ፍርያት ብዝተጭበርበረ ፣ልክዑ ብምፍራይ ድሕንነት ሕብረተሰብን ኢኮኖሚን ዝጎድእ ሲሚንቶ ፏን ኋን ናብ ዕዳጋ ምክፍፋሉ በቲ ትካል ቀፂሎም ዝተፀርሑ ውሳነታት ተመሓላሊፎምሉ፡፡

ፏን ኋን ፍርያቱ ካብ ዘከፋፈለሎም ከባቢታት ዕዳጋ እታ ሃገር ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ንኽእክብን ሲሚንቶ ፏን ኋን ፅቱ ዘይተረጋገፀ ብምዃኑ፥ ሕብረተሰብ ካብ ምጥቃም ንኽቑጠብ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment