ፍርያት መኖ እንስሳት ካብ ግብሪ ናፃ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያት መኖ እንስሳት ካብ ግብሪ ናፃ ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ኣነተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ መሪሕ ሃፍቲ ልምዓት መኖ እንስሳት ኣርኣያ ኣብርሃም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ምስ ፍርያት መኖ ተተሓሒዙ ብፍላይ ድማ ኣብ ዋጋ ዘሎ ፀገም ንምትዕርራይ ሓፈሻዊ ዕድጊት መኖ ካብ ቀረፅ ናፃ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ደምቢ እናተሰናደአሉ ዝርከብ እቲ ኣሰራርሓ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓረስቶትን ኣብ ምልማዕን ምቕራብን መኖ እንስሳት ዝተዋፈሩ ኣካላት መኖ ብግቡእ እናፍረዩ ቀረብ ዘተኣማምን ንምግባር፤ ፕሮጀክት ልምዓት መኖ ተሓንፂፁ ስራሕ እናተሰርሐሉ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ብሰሎሞን ይታየው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment