ፍርቂ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዓለም ስረሖም ከይስእኑ ስግኣት ኣንፀላሊዩዎም ኣሎ – ትካል ዓለም ለኸ ሰራሕተኛታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርቂ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዓለም ስረሖም ከይስእኑ ስግኣት ከምዘንፀላለዎም ትካል ዓለም ለኸ ሰራሕተኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሕድሕድ ሃገራት መንቅሒ ደወል ኢዩ።

እቲ መግለፂ፥ ብዘይስሩዕ ኢኮኖሚ ዝንቀሳቐሱ ከባቢ 1 ቢሊየንን 600 ሺሕን ሰራሕተኛታት ማለት እውን ፍረቂ ዝኾኖ ሰራሕተኛታት ዓለም ስረሖም ከይስእኑ ስግኣት ከምዘንፀላለዎም ኣብሁ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ዓለም ለኸ ሰራሕተኛታት ጉይ ራይደር፥ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ዓለም እኹል እታወት ምግቢ፣ ውሕስና ስራሕን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንፅባሕ ዝብልዎ ኣታዊ የብሎምን ክብሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ “ተቐማጢ ይኹን ልቓሕ ናይ ምርካብ ዕድል የብሎምን፣ እዚ ድማ ንሰራሕተኛታት ዓለም ዝገጠሞም ወድዓዊ ሓቂ ኢዩ፤ ሕዚ እንተዘይ ሓጊዝናዮም ፅባሕ ኣይንረኽቦምን” ክብሉ ኣተሓሳሲቦምም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 3 ሚሊየንን 325 ሺሕን ዜጋታት ብለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 234 ሺሕን 495 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ዓቢዪ ኢኮኖሚ ዘንቀሳቕሳ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ንኽዕፀዋ ምኽንያት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment