ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ሓቅነትን ተኣማንነትን ዘይብሉ መግለፂ ሂቦም ኢዮም – ኣምባሳደር ሂሩት

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓን ብዛዕባ ክልል ትግራይ ኣብ ሓቂ ዘይተደረኸን ተኣማንነት ዘይብሉን መግለፂ ከምዘሃቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂም፣ ሉክዘምበርግን ሕብረት ኣውሮፓን ሂሩት ዘመነ ገሊፀን።

ዶክተር ሂሩት እዚ ዝበላ መግለፂ እቶም ፍሉይ ልኡኽ መሰረት ብምግባር ፀብፃብ ንዝሰርሐ ኣራሚ ፅሑፍ ኢዩ ኦብዘርቨር ኣብ ዝፀሓፈኦ ደብዳቤ ኢዩ፡፡

ኣብ ደብዳበአን ድማ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፍሉይ ልኡኽን ኣብ ዑደቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ መብርሂ ከምዝተውሃቦም ገሊፀን፡፡

ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ጭቡት ግንዛበ ንኽህልዎም ናብ ክልል ትግራይ ንኽኸዱ ጉዕዞ ተመዓራሪዩሎም ከምዝነበረ ገሊፀን፡፡

ይኹን እምበር ናብቲ ክልል ንምኻድ ድሌት ኣይነበሮምን ኢለን፡፡

ናብ ትግራይ ካብ ምኻድ ናብ ሱዳን ብምቕናዕ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዑደት ምግባሮም ኣረዲአን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝዓለሙ ዝተጋነኑ፣ ዘይተጨበጡ መሰረት ዘይብሎምን ሓበሬታታት ከምዝተናፈሱ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ 34 ወረዳታት ኣብተን 43 ወረዳታት ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፅሑ ኣዘኻኺረን፡፡

ካብዚ ብተፃራሪ ዝኾነ መግለፂ እቶም ልኡኽ፥ ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ዓለም ለኸ ትካላት ትዕዝብቲ ዝፃረር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

ዶክተር ሂሩት ኣብ ደብዳበአን፥ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓን ትኽክለኛ ከምዘይብሎም ብምፅራሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ መፍረሲ ዘይኮነስ ሃናፂ ሓሳብ ክበረታታዕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment