ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ን60 ኣሰልጠንቲ “ብካፍ ዲ ላይሰንስ” ኩዕሾ እግሪ ስልጠና ህንፀት ኣቕሚ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ፌዴሬሽን ኤሊት ኢንስትራክተር ኣብራሃም መብራህቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐሌ ስልጠና እንትጅምር ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስልጠና ኣብቲ ክልል በቲ ዓውዲ ዘሎ ክፍተት ብምምላእ ምንቅስቓስ ስፖርት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ንምግባር ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ።
በቢደረጅኡ ዝወሃብ ስልጠና ሰልጠንቲ ካብ ክልልን ውሽጢ ሃገርን ሓሊፉ ብብርኪ ኣህጉር ኣሰልጠንቲ ንምዃን ዘኽእሎም ከምዝኾነ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
እቲ ስልጠና ካብ ንድፈ-ሓሳብ ብተወሳኺ ኣብ ሜዳ ብተግባር ዝወሃብ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።
ብምትሕብባር ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያን ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካን ዝተሰናደአ ስልጠና ከምዝኾነ ንተኸታተልቲ 11 መዓልቲታት ዝወሃብ ከምዝኾነን ኤሊት ኢንስትራክተር ኣብራሃም መብራቱ ኣፍሊጦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጊዜያዊ ምምሕዳር ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይ ኣይተ ሞጎስ ተፈራ÷ ፈዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ስፖርት እቲ ክልል ንምንቕቓሕ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣመስጊኖም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com