ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዘህንፆ በዓል 12 ደብሪ ኩለ መዳያዊ ህንፃ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 735 ካሬ ሜትር ንዘህንፆ በዓል 12 ደብሪ ኩለ መዳያዊ ህንፃ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ

እቲ እምነ ኩርናዕ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣይተ ኤሊያስ ሽኩርን ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉን ኢዮም ኣንቢረምዎ።

ኣይተ ኤሊያስ ሽኩር፥ ነቲ ህንፃ ኩለ መዳይ ደገፍ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት እቶት ብምጥቃም ንባዕሉ ብፋይናንስ ንምጥንኻርን ካብ ድጎማ መነግስቲ ንምግልጋልን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ናካልኦት ማሕበረሰብ ስፖረት መርኣያ ኢዩ እውን ኢሎም።

ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ብግደአን፥ እቲ ህንፃ ዓቕሚ ፋይናንስ እቲ ፌዴሬሽን ብዝለዓለ ኩነታት ዘዕቢ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ሀንፃ፥ ኩለ መዳይ ማእኸል ሕክምና፣ ሙዚየም ፣ ጅምናዚየም ፣ ላይበራሪ ፣ ቢሮታትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝህቡ ክፍልታት ዘለውዎ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment