ፌዴራል ፖሊስን ሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይናን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኮሚሽነር ጀነራል ፌዴራል ፖሊስ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ዢ ያንጁን ኣብክልተኣዊ ሃገራዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ወገናት ተዋዲዶም ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ኣብ ዝበፅሑሎም ጉዳያት ከምዝዘተዩ ሓበሬታ ፖሊስ ፌዴራል ኣመልኪቱ።

ዶብ ዘለል ገበናት ኣብ ምክልኻል፣ ተደለይቲ ገበነኛታት ልውውጥ ምግባር፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ሓገዛት እወትን ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

ዝተጠናኸረን ዝተዋደደ ምትሕብባርን ክቕፅል ንምግባር ማእኸል መተሓባበሪ ሕጊ ኢትዮ-ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጥያሽ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ትካላት ማዕቐፍ ምትሕብባር ኮሚሽን ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቢሮ ድሕንነት ህዝቢ ማኒሲፖል ቤጂንግ ሰነድ ስምምዕነት ፈሪሞም፡፡

Comments (0)
Add Comment