ፌስቲቫል ኢሬቻ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፌስቲቫል በዓል ኢሬቻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥  በዓል ኢሬቻ በዓል ፍቕሪን ሰላምን ኢዩ፤ ምሕዝነት ኣብ ምጥንኻር እውን ቁልፊ ግደ ኣለዎ ኢለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል ሆራ ፊንፊኔ ዳግም ምኽባር ካብ ዝጅምር ሳልሳይ ዓመቱ ከምዝሓዘ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፥ ነታ ከተማ ተወሳኺ መስሕብ ቱሪስት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኢሬቻ በዓል ምስጋና ስለዝኾነ፥ ህይወቶም ብመሃብ ሃገር ንዘቖሙ ጀጋኑ ነመስግን ኢለን።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ ኢሬቻ መብሰሪ ተስፋን መፅኢ ዕድልን ተገይሩ ዝኽር በዓል ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ኦሮሞ ከም ሞጋሳን ጉዲፈቻን ዝበሉ ፅቡቓት ባህሊታት ካብ ጥንቲ ክሳብ ሕዚ ሒዙ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝቢታት ብምዃን ሃገር ከምዝሃነፀ ተዛሪቦም።

ከም ስርዓት ገዳ ዝበሉ ኣብ ህንፀት ሃገር ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም ክብሪታት ንሓዱሽ ወለዶ ምፍላጥ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment