ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌስቲቫል ባህሊን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ዓሚቕ ባህሊ፣ ሓድጊን ክብሪን ንምፍላጥ ፅቡቕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።
እቲ ፌስቲቫል ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተጀሚሩ።
ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣምባሰሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ሃገራት ምብራቕ ሕድሕዱ ዝተኣሳሰረ ዓሚቕ ሃፍቲ ዘለወን ስለዝኾና፤ እቲ ሃፍቲ ብምትሕብባር ክሕልወኦን ከፋልጠኦን ይግባእ ኢሎም።
ሚኒትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ብግደኦም፥ ህዝቢታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሕድሕዶም ዘተኣሳስሩዎም ዝተፈላለዩ ባህሊታትን መግለፂ ባህሊን ስለዘለዉዎም ንዝለዓለ ምሕዝነት ክጥቀሙሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ንሚኒስትር ባህሊ፣ ሙዜምን ሓድጊን ደቡብ ሱዳን ብምውካል ዝተረኸቡ ዎች ዌክ ወል፥ ምብራቕ ኣፍሪካ ማእኸል ብዝሃ ባህሊን ቋንቋን ስለዝኾነ በቢእወዋኑ ተመሳሰልቲ መድረኻት እ ናተሰናደኡ ህዝቢታት ሕድሕዶም ምቅርራብ ክዘድሊ ገሊፆም።
ፌስቲቫል ባህሊን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝቕፅል ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።