ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌስቲቫል ባህሊን ኪነ-ጥበብን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባህላዊን ኪነ-ጥበባዊን ክብሪታት ገዛኢ ተረኻትን ብሄራዊነትን ብዝበለፀ ንምስራፅ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።
ንኣብነት እውን ንሰለስተ ወርሒ እናተኻየደ ዝፀንሐ ሃገር ለኸ ምንቅስቓስ ኪነጥበብ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ጎስጓስ ሓድነት ዜጋታት ዝሰብኩ፣ ምስሊ ሃገር ዝሃንፁን ዘፋልጡን ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ከምዘደንፈዐ ሓረን፡፡
ኣብ ቀፃሊ ፌስቲቫል ባህሊን ኪነ-ጥበብን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡