ፌስቡክ ገፅ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ልዑል ተሳትፎ ካብ ዘለዎም ገፃት ሓደ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ልዑል ተሳትፎ ካብ ዘለዎም ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ መራሕቲ ዓለም ሓደ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፌስቡክ ካብ ሞንጎ ዝጥቀሙ መራሕቲ ሃገራት ብዝተፈለየ ኩነታት ገፆም ብመጠን ተሳተፍቲ Interaction (ዝርርብ) እንትልካዕ ልዑል መጠን ዘለዎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝኾኑ ትዊፕሎማሲ ዝተብሃለ ፍሉጥ ኣወዳዳሪ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተቐመጡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ኢትዮጵያ እንትኾኑ፥ ሃመድ ባካዮኮ ካብ ኮትዲቧር፣ ዓብዱል ፈታሕ ኤልሲሲ ካብ ግብፂ፣ ናንኣኩፍ ኣዶ ካብ ጋናን ዩዌሪ ሙሴቪኒ ካብ ዩጋንዳ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም።

ብኃሊእ መዳይ ፌስቡክ ገፅ በቢእዋኑ ብመሰረት ዘውፀኦም ዝርዝር ደረጃ ተጠቀምቲ እቲ ፕላትፎርም፥ ካብ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሓደ ግዘ ልዑል ተሳትፎ (Engagment) ዝተርኣየሉ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ፤ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ገፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፌስቡክ ገፅ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣስታት 3 ነጥቢ 7 ተኸታሊ ዘለዎ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለየ መልክዑ ህዝቢ ምስ መራሒ ቁልፊ ድልድል መራኸቢ ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ።

ፌስቡክ ገፅ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ብቋንቋት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን እንግሊዝኛን ብምቕራብ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቑፂሩ ይርከብ።

ፍልፍል:- ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment