ፋይዘር ክታበት ዕድሚኦም 12ን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሰባት ምሃብ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍቢሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ትማሊ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት ኮቪድ19 ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን፥ ፋይዘር ዝተብሃለ ክታበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ 65 ክልል ከተማታት ድማ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ከምዝወሃብ ተዛሪበን።

ኣብቲ ወፍሪ ክታበት ፋይዘር ሓዊሱ ቅድሚ ሕዚ እናተውሃቡ ዝነበሩ ሰለስተ ዓይነታት ክታበት ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና መንግስቲን ግዚያዊ ማእኸላት መውሃቢ ክታበትን ከምዝወሃብ ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ቅድሚት ከምዝወሃቦም እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 8 ሚሊየን ዶዝ ክታበት ከምዘሎ ዝሓበራ ዶክተር ሊያ፥ ኣብ ቀረባ እዋን 9 ነጥቢ 6 ሚሊየን ክታበት ዶዝ ከምዝኣቱ ገሊፀን።

ክሳብ ሕዚ 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሰባት ክታበት ከምዝወሰዱ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብሃይማኖት ኢያሱ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment