ፋኦ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ትውዕል ኣውሮፕላን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ( ፋኦ) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወለዐ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ትውዕል ኣውሮፕላን ሓገዝ ገይሩ።፡

እቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ካባ ኡርጌሳ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተሳሊጡ።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝበሉዎ፥ መበገሲኡ ካብ ሃገራት የመንን ሶማሊያን ኣቢሉ ናብ አኢትዮጵያ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ናይ ምክልኸል ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ።

ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ተወሳኺ ሓገዝ ኣውሮፕላን ምግባሩ፥ ነቲ ዝተጀመረ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ከምዝገብሮ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ድማ ተወሰኽቲ ኣውሮፕላናት ናብ ስራሕ ብምእታው ሰፊሕ ናይ ምልኻል ስራሕቲ ንምስራሕ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምዃኑ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment