ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ዘኽእል 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሕራሻ ኣይተ ሳኒ ረዲ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተልዓለ ዕስለ ኣምበጣ ባህላዊ መገዲን ነፀጋ ኬሚካልን ብምጥቃም 90 ሚኢታዊ ምንካይ ተኻኢሉ ኢዩ።

ይሁን እንጅ በአንዳንድ ቦታዎች በባህላዊ መንገድ ለማስወገድ በሚደረገው ጥረት የአንበጣ መንጋው ስለሚበታተን የቁጥጥር ሂደቱን ፈታኝ አድርጎታል ብለዋል።

ይኹን እምበር ኣብ ሓደሓደ ቦታት ብባህላዊ መገዲ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ስለዝብተን ከይዲ ቁፅፅር ፈታኒ ከምዝገበሮ ገሊፆም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ተላዒሉ ብየመንን ሶሚሊያን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው፥ ኣብ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ክልል ሶሚሌ፣ ዓፋር፣ ምብራቕ ኣምሓራን ከምዝተባፅሐ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንፈት ናይቲ ንፋስ ስለዝተቐየረ ድማ ካብ ስዑድ ዓረብን ፓኪስታንን ተበጊሱ ብደቡባዊ ሶማሊያ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ብዝማት ናብ ኬንያ ከምዝሳገር ገሊፆም።

ኣይተ ሳኒ ረዲ፥ እቲ ዕስለ ድሕሪ ምብትታኒ ኣበይ ከምዝተኣኻኸብ ንምፍላጥ ብድሮን ዝተሓገዘ ሜላ ኣተኻኽባ ሓበሬታ ንምጥቃም ሓገዝ ንምርካብ ምስ መንግስቲ እናተዘራረቡ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ዕስለ ኣብ ክሳብ መፃኢ ወርሒ ነሓሰ ምብራቕ ኣፍሪካ ክፀንሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትንበያ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ነዙይ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ብባህላዊ መገዲን ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ምንፃግ ኬሚካልን ንምክያድ ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም

ብር 30 ሚሊየን ንመከላኸሊ ከምዝተመደበ እውን ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment