ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና፥ ማእኸል ብዙሃን ሓሳብ፣ ትማሊ ዘዘክር፣ ሎሚ እናሰርሐ ንፅባሕ ዝሓልም፣ ንእዋናዊን ሓደሽትን ሓበሬታታት ቀዳምነት ዘህብ ተመራፂ ሚዲያ ኢዩ።
ፋና፥ ማእኸል ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ኣጀንዳታት፣ ሃገራዊ ምርድዳእ መፍጠሪ ብምዃን የገልግል ኣሎ።
ምድማፅ፣ ዛዕባ ካብ በዓል ዛዕባ ንበዓል ዛዕባ፣ ኩሉ ግዘ ኣብ ውሽጢ ለውጢን ፃዕሪን፣ በቢዕለቱ ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ብምዃን ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ብራኸ ብምዃን ዝዘለቐ ከምዝኾነ ብዙሓት ይምስክሩ።
12 ሕዳር 1987 ዓ.ም ለክዕ በዛ ዕለት ቅድሚ 30 ዓመታት ብድምፂ ናብ ኣድመፅቲ ዝበፅሐ ፋና ሎሚ በዓል ልደቱ ኢዩ።
እንቋዕ ኣብፀሐና፣ ኣብፀሐኩም።
ካብ ሬዲዮ ፋና ክሳብ ቴሌቭዥን ፋና፣ ምስ ምዕባለ ዲጂታል ሚዳያ ማዕረ ብምሕምባብ ንፋና ፖድካስት ዝበፅሐ ትካል ኮይኑ ኣሎ።
30 ዓመታት ብትውልዲ ቅብብል-ብትሕዝቶን ቅርፂን ምምሕያሽ ኣብ ሚዲያ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ርኡይ ኣሰር ኣንቢሩን የንብርን ኣሎ።
ኣብ ጉዕዞ ፋና ትማሊ ሓቢርና ነይርና ኣዝና ድማ ነመስግን! ንቐፃሊ ድማ ዝሓሸት ሃገር ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ዕላዊ ንክኸውን ናይ ኩላህና ስኽነት፣ ምትሕስሳብ፣ ምድግጋፍ፣ ምክፋል ይደሊ። ንሕና ዘለና ኣይንስስዕን ናታትኩም እውን ዝተለመደ ሓሳብ ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ የተባብዐና ኢዩ እሞ ሓቢርኩሙና ንክትዘልቁ ትምኒትና ኢዩ።
ንዝሓሸ ውፅኢት ናትኩም ድጋፍን ምትብባዕን ንሓትት!
እንቋዕ ንመበል 30 ዓመት ኣብፀሐና፤ ኣብፀሐኩም!