ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ቦርድ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓ.ማን ካልኦት ፃውዒ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
እቲ ስቱዲዮ ብቐንዱ ፕሮግራማት ተሃድሶን ኣሳተፍቲ መድረኻትን ንከተኣናግድ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተወሳኺ ጥንካረ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።
ፋና ክሳብ ሐዚ ተፈታዊ ፕሮግራም ፋና ላምሮት ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ዝርከብሉ መድረኻት ዘተ ካብ ዋና ቤት ዕዮ ወፃኢ ኣብ ዝተኻረዮ ህንፃ ናብ ተመልከትቲ እንተብፅሕ ፀኒሑ ኢዩ።
እቲ ሓዱሽ ስቲዲዮ ንክራይ ዝወፅእ ዝነበረ ወፃኢ ዘትርፍን ፋና ዝሓሸ ኣቀራርባ ናብ ተመልከትቲ ንክበፅሕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment