ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ዘተኣኻኸቦ 2 ሺሕን 400 መፃሕፍቲ ኣረኪቡ።
“ሚሊየን መፃሕፍቲ ንትውልዲ ሚሌኒየም” ብዝብል መሪሕ ቃል ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መርሃ ገብሪ ምትእኽኻብ መፃሕፍቲ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ነቲ ቤተ መፃሕፍቲ ዝኸውን መፃሕፍቲ ኣብ ምትእኽካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ይዋፃእ ኣሎ።
ስለዝኾነ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝተፅሓፉ 2 ሺሕን 400 መፃሕፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣረኪቡ።
ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ርኽክብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዮናስ ዘውዴን ተረኺቦም።
ብየኣብቃል ፋሲል