ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩንቨርስቲ ኦዳ ቡልቱም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩንቨርስቲ ኦዳ ቡልቱም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

እተን ትካላት ፅርየቱ ዝሓለወ፣ ብባህጊ ኢንዱስትሪታት ዝቃነ ትምህርቲን ስልጠናን ንምሃብ፣ በፍልጠት፣ ክእለት፣ ኣረኣእያን ሙያዊ ስነ ምግባርን ብቑዕ ዝኾኑ ሰብ ሙያ ንምፍጣር፣ ንዕብየት ሃገርን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ብዝሕግዝ መገዲ ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂን ምርምርን ብሓባር ንምስራሕ  ዘኽእል ስምምዐነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሰነድ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቱም ፕሮፌሰር ሙክታር ሙሓመድን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን እቲ ዩኒቨርሲቲን ንኩለመዳያዊ ዕብየት እዛ ሃገር ብሓባር ክሰርሑን ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝስርሑ ማሕበረሰብ ተኮር ዛዕባታት ብሚዲያ ተበፃሕቲ ንምግባር ክተሓባበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብመራዖል ከድር

Comments (0)
Add Comment