ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ስምምዕነት 9 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፋ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ማሕበረ ሰብ ራዲዮ ንምህናፅ ዘኽእሎ ውዕሊ ስምምዕነት 9 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ዶክተር ኡባህ ኣደም ተፈራሪሞምዎ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ታሪኽ ሚዲያ ኢትዮጵያ ኣብነት ከምዝኾ ዝገለፁ ኣይተ ኣድማሱ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ካብ ዝህነፅ ማሕበረሰብ ራዲዮ ሓሊፉ እቶም ትካላት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢንዱስትሪ ሚዲያ ተኣሳሲሮም ንኽሰርሑ ከምዘኽእሎም ኣብሪሆም።

ህንፀት እቲ ማሕበረሰብ ራዲዮ ኣብ ሓፂር እዋን ዛዚሙ ንምርካብ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ዶክተር ኡባህ ኣደም ብግደአን፥ ምህናፅ እቲ ማሕበረሰብ ራዲዮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብምርምር ዘውፀኦም ስራሕቲ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ንምግባር ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ፋና እንትንሰርሕ መጀመርትኡ ኣይኮነን ዝበላ ዶክተር ኡባህ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ሞያዊ ሓገዛት ብምልውዋጥ ንክልተኣዊ ተረባሕነት ከምዝስራሕ ኣብሪሀን።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment