ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “ማረፊያ” ዝብል ስያመ ዘለዎ ፕሮግራም ተሃድሶ ሬዲዮ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “ማረፊያ” ዝብል ስያመ ዘለዎ ፕሮግራም ተሃድሶ ሬዲዮ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ጀሚሩ።

እቲ ፕሮግራም ኩሉ ግዘ ዕለተ ሰሉስ ሰዓት ካብ 5:00-900  ብፋና ኤፍ ኤም 98.1 ዝመሓላለፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነቲ ፕሮግራም ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፣  ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ሰጠን እንግዳን ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ብሓባር ብምዃን ኣጀሚረምዎ።

ኣይተ ኣድማሱ፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሬዲዮ፣ ቴሌቪዥንን ዲጂታል ሚዲያን ኣቢሉ ካብ ሕቶታትን ድልየትን ህዝቢ ብምብጋስ ንረብሓ ህዝቢ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ፋና እወንታዊ ባህሊ ስራሕ ዘማዕበሉ፣ ቅኑዓት ሰራሕተኛታት ዝነበርዎን ዘለውዎን ትካል ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።

ኣይተ ሰጠኝ ብግደኦም፥ እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ሓዱሽ መሓውርን ኣወዳድባን ተግባራዊ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ኩሎም ኣማራፅታት ሚዲያታቱ ኣብ ዜናን ፕሮግራማትን መመሓየሺ ተሕዝቶ ይገብር ከምዘሎ እውን ሓቢሮን።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ “ማረፊያ” ብተወሳኺ “ካሉበት ይሞክሩ” ዝብል ፕሮግራም ሕቶን መልስን ሰንበር ምሸት፣ “ኣመፀኛው ክልስ” ዝብል ትረኻ መፅሓፍ ሰኑይ ምሸት ከምዘጀምር ተገሊፁ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment