ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣብ ጣቢያታት ክልል የኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣብ ጣቢያታት ክልል የኽብር ኣሎ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝሃቦ ኣገልግሎት ሚዲያ፣ ዘመዝገቦ እወንታዊ ውፅኢትን ኣብ ዝቕፅል ራእይ ብምትኳር እቲ በዓል ምስ ዓማዊሉ ብምዃን የኽብር ከምዘሎ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምትሕብባር ጣቢያታት ክልል ሰለሞን ገመዳ ገሊፆም።

እቲ በዓል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጅማ፣ ሻሸመኔ፣ ሐረማያን ደሴን እንትኽበር ፅባሕ ድማ ኣብ ደብረ ብርሃን ክኽበር ኢዩ።

ፋና ካበይ ናበይ ዝብል ፅሑፍ ብምቕራብ ዘተ ዝግበር እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ጥንካርኡ ክብ ብምባል፣ ክፍተታቱ ኣሪሙ ብዝሓሸ ኣገልግሎት ሚዲያ ንምምፃእ ካብቶም መድረኻት እታዎት ክእከብ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment